ነቲ ወረቐት መነነት ንምሕታት ኪማላእ ዘለዎ ቅድመኩነታት ንምምላእ ውሕስነት ምስ ዘይስምዓካ፡ ብዘየገድስ ነቲ መጠየቕታኻ ከተቕርቦ ትኽእል ኢኻ።
ስካተቨርከት ነቲ ዘቕረብካዮ ሓበሬታ ሚዛናዊ ግምገማ ኪገብረሉ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ደው ዝበለ ዝምድና፡ ነቲ ቅቡል ዘይኮነ ናይ ወጻኢ ፓስፖርት፡ ነቲ ገና ዘየገልግል ወረቐት መንነት ወዘተ..
ምስ ዘድሊ ነቲ ኣብ ካልእ መንግስታዊ ትካላት ዝሃብካዮ ሓበሬታ እውን ክንርእዮ ኢና። ወይ ድማ ነቲ መጠየቕታኻ ነቲ መንነትካ ብዘደልድል ብተወሳኺ ሓበሬታ ምሉእ ንኽትገብሮ ክንውከሰካ ኢና።
ንወረቐት መንነት ክትሓትት ከሎኻ 400 ክሩነር ትኸፍል ኢኻ። እቲ እትኸፍሎ ክፍሊት ምእንቲ ስካተቨርከት ነቲ መጠየቕታኻ ኪምርምር ተባሂሉ እዩ። ስለዚ ወላውን እቲ ጉዳይካ እንተ ተነጽገ፡ ገንዘብካ ኣይምለሰልካን እዩ።