ብመሰረት ኣቐዲሙ እተሓገገ ናይ ተጻማድነት ሕጊ፡ እቶም ኣብ ሽወደን ምዝጉባት ተጻመድቲ ዝኾኑ ሰባት ነቲ ተጻማድነት ናብ ቃልኪዳን ኪልውጡዎ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ንምግባር ናብ ስካተቨርከት ሓባራዊ ደብዳበ ብምጽሓፍ ወይ ድማ ኣብ ቅድሚ ቃልኪዳን ዘእሰር ሰብ ብምምርዓው ኪኸውን ይኽእል።
እቶም ብናይ ወጻኢ ሃገር ሕጊ ተጻማድነቶም ዘመዝገቡ ግን ነዚ ኣብ ላዕሊ እትጠቕሰ ኪግብሩ ኣይክእሉን።
ካብ ግንቦት 1-2009 ጀሚሩ ኣብ ሃገር ሽወደን ናይ ተጻማድነት/መናብርትነት (partnerskap) ምዝገባ ኪግበር ኣይከኣልን። እቲ ናይ ቅድም ናይ ተጻማድነት ሕጊ ደው ኢሉ እዩ፡ እቲ ናይ ቃልኪዳን ደምቢ ድማ ኢጾታዊ ኾይኑ እዩ። በዚ መገድዚ ክልተ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ኪማራዓዉ ይኽእሉ እዮም።
ነቲ ምዝጉብ ተጻማድነት (registrerat partnerskap) ናብ ቃልኪዳን ምልዋጥ ነቲ መሰልካን ግዴታኻን ኣይጸልዎን እዩ። ቃልኪዳን ልክዕ ከም ተጻማድነት ወይ መናብርትነት ተመሳሳሊ ሕጋውነት ኣለዎ። ነቲ ተጻማድነትኩም ክትልውጡዎ ምስ ዘይትደልዩ፡ ከም ምዝጉባት ተጻመድቲ ወይ መናብርቲ ዄንኩም ክትቅጽሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ነቲ መናብርትነት (partnerskap) ብሓባራዊ መጠየቕታ ክትልውጡዎ እንተ ደሊኹም ናብ ስካተቨርከት ደብዳበ ጸሓፉ። ፍሉይ ፎርም ኣየድልን። ካብቲ ስካተቨርከት ነቲ ደብዳበ እተቐበለሉ ዕለት ጀሚሩ ምርዑዋት ኢኹም።
ኣብ ክንድኡ ክትምርዓዉ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ ሽወደን ምዝጉባት መናብርቲ ምዃንኩም ዚገልጽ ምስክር ነቲ ቃልኪዳን ዘእሰር ሰብ ስደዱሉ። ንኽትምርዓዉ ናይ ቃልኪዳን መጻረዪ ምስክር ኣየድልየኩምን። ቃልኪዳን ምስ ኣሰርኩም፡ እቲ ቃልኪዳን ዘእሰረ ሰብ ንስካተቨርከት ከም እተመርዓኹም ይሕብሮ። ካብቲ ቃልኪዳን ዝኣሰርኩሙሉ ዕለት ጀሚርኩም ምርዑዋት ኢኹም።
ገለ ሕቶ ምስ ዚህልወኩም ነቲ ናይ ስካተቨርከት ናይ ሓበሬታ ክፍሊ ብ 0771-567 567 ደዊልኩም ተወከሱዎ።