ኣብ ስካተቨርከት (ቤትጽሕፈት ቀረጽ) ወረቐት መንነት/ኣይዲ ካርድ ክትሓትት ትኽእል። ናይ ስካተቨርከት ኣይዲ ካርድ ኣብ ሃገር ሽወደን ቅቡል ሰነድ እዩ። ንወረቐት መንነት እትጥቀመሉ ዕድመኻ ንምርግጋጽ ወይ ድማ ኣብ ፋርማሲን ባንክን ወይ ድኳናት ሕጋውነትካ ንምርግጋጽ እዩ።
ወረቐት መንነት (ኣይዲ ካርድ) ምህላው እንታይ እዩ ጥቕሙ? ወረቐት መንነት (ኣይዲ ካርድ) ክሓትት ከሎኹ እንታይ ክሓስብ ኣሎኒ?
ቅድሚ ናብተን ወረቐት መንነት ዚህባ ኣብያተጽሕፈት ምኻድካ ከመይ ጌርካ ወረቐት መንነት ከም እትጥይቕ ኣንብብ
እቲ ወረቐት መንነት፡ ኢ-ለጊቲማኹን እውን ይጥርንፍ እዩ። ብኡ ጌርካ ኣብ ኢንተርነት ብውሑስ መገዲ መን ምዃንካ ክትገልጽ ትኽእል።
ንስኻ፡ ሽወደናዊ ዜግነት ዘሎካ፡ ኣብ ፖሊስ ኬድካ ኢኻ ሃገራዊ ወረቐት መንነት እትጥይቕ። ኣብቲ ናይ ፖሊስ ወብሳይት ብተወሳኺ ኣንብብ።