ናይ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት፡ ኢ-ለጊቲማኹን እውን ይጥርንፍ እዩ። ኢ-ለጊቲማኹን ምስቲ ዝውቱር ዝኾነ ናይ መንነት ሰነድ ይመሳሰል እዩ፡ ማለት ምስ ወረቐት መንነት ወይ ምስ ፍቓድ ምዝዋር ማኪና። ብኢ-ለጊቲማኹን ኣብ ኢንተርነት ብውሑስ መገዲ መን ምዃንካ ክትገልጽ ትኽእል።
ብኢ-ለጊቲማኹን መንነትካ ምስ ገለጽካ ካብቲ ናይ ስካተቨርከት መዝገብ ብዛዕባኻ ወይ ብዛዕባ ዋኒንካ ዚምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ብኢንተርነት ጌርካ ድማ ምስ ባንክታትን መንግስታዊ ትካላትን ዋኒናትን ጉዳይካ ከተሳልጥ ትኽእል።
ናይ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ናይ ተልያ ኢ-ለጊቲማኹን Telia e-legitimation ኣለዎ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብቲ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ክትሓትት ከሎኻ ናብቲ ናይ ተልያ ኢ-ለጊቲማኹን ዘእቱ መገዲ ትረክብ ማለት እዩ። ኣብኡ ድማ ነቲ ናይ ተልያ ኢ-ለጊቲማኹን ቅድመ-ኩነት ከተንብብ ትኽእል።
ኢ-ለጊቲማኹን ክትጥቀም ከሎኻ ፒን ኮድ ከተዘውትር ይግባእ። እቲ ፒን ኮድ ብፖስታ ገይሩ ናብቲ ምዝጉብ ኣድራሻኻ ይለኣኽ።
ስካተቨርከት ነቲ ናትካ ፒንን ፑክን ኮዳት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኪረኽበልካ እዩ። ምስ ተወህበካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ነቲ ኮዳት ምስ እተጥፍኦ ኣባና ሓድሽ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ወርሒ ምስ ዚሓልፍ ግን ሓድሽ መንነት ወረቐት ክትሓትት ይግበኣካ። ሓድሽ ኮዳት ንምርካብ ዋጋኡ ልክዕ ከም ሓድሽ ኣይዲ ካርድ/መንነት ወረቐት እዩ።
ነቲ ኣብ ወረቐት መንነትካ ዘሎ ኢ-ለጊቲማኹን ክትጥቀመሉ እንተ ደሊኻ፡ ኮምፕዩተር፡ ኣንባቢት ካርድን kortläsare ናይ ነት ኣይዲ Net iD ፕሮግራምን የድልየካ።