ወረቐት መንነት ንምሕታት፡ ኣብ ሽወደን እተመዝገብካ፡ 13 ዓመት ዝመላእካን ንመንነትካ ከተረጋግጽ እትኽእልን ክትከውን የድሊ። ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን ናይቲ ዘዕብየካ ሰብ ፍቓድ የድሊ። ናይ መጠየቕታ ክፍሊት 400 ክሩነር እዩ። እቲ ክፍሊት ቅድሚ ወረቐት መንነት ምሕታትካ እዩ ዚካየድ።
ንስኻን እቲ ዘፍቅደልካን፡ ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታ ምስ ዚህልወኩም እውን ብዛዕባ ወረቐት መንነት ክትጥይቕ ትኽእል ኢኻ። ግን ቅድሚ ምጥያቕካ ነቲ ናይ ድሕነት ሃንድለጋረኻ ተወከሶ።
ንወጻኢ ክትገይሽ ከሎኻ ኣብ ክንዲ ፓስፖርት፡ ናይ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ኣብ ውሽጢ ሽወደን ጥራይ እዩ ዘገልግል። ሃገራዊ ወረቐት መንነት ምስ እትደሊ፡ ንፖሊስ ተወከስ።
ወረቐት መንነት ንምሕታት ንሓደ ካብቲ ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎትና ብኣካል ብጽሓዮ። ሓድሓደ ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎት ጥራይ ወረቐት መንነት ከም ዚህባ ኣይትረስዕ።
ወረቐት መንነት ንምሕታት ንቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ቅድሚ ምብጻሕካ ከምዚ ዚስዕብ ክትገብር ይግበኣካ፤
ወረቐት መንነት ንምሕታት ናይ ሽወደን ቍጽሪ ሃገራዊ መንነት/ፐርሾንኑመር፡ ኪህልወካ ይግባእ፡ ማለት ኣብ ሃገር ሽወደን ምዝጉብ ክትከውን ይግበኣካ። ናይ ምትኽኻል ቍጽሪ/ሳምኦርድኒንግኑመር ምስ ዚህልወካ ኣብቲ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ክትሓትት ኣይትኽእልን።
ንኽትሓትት፡ ፐርሾንበቪስ ኣየድልየካን ። ንሓንቲ ካብተን ወረቐት መንነት ዚህባ ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎትና ክትበጽሕ ከሎኻ ኣብቲ ፋይልና ኣቲና ነቲ ናትካ ናይ ምዝገባ ሓበሬታ ብዚምልከት ቍጽጽር ነካይድ ኢና።
ወረቐት መንነት ንምሕታት 13 ዓመት ክትመልእ ይግባኣካ። ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን እቶም ዘዕብዩኻ፡ ወረቐት መንነት ንኽትሓትት ከፍቅዱልካ ይግባእ።
ወረቐት መንነት ንምሕታት ናብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ምስ መጻእካ፡ ናይ 400 ክሩኑር ዝኸፈልካሉ ቅብሊት ከተርእይ ይግበኣካ። ብኢንተርነት ከፊልካ እንተ ኾንካ፡ ነቲ ሰነድ ሓቲምካ/ፕሪንት ጌርካ፡ ከም መረጋገጺ ሒዝካዮ ምጻእ።
ቀልጢፍካ ምስ እትኸፍል፡ ቅድሚ ናባና ምምጻእካ ነቲ ገንዘብ ተቐቢልናዮ ክንጸንሕ ንኽእል። ገንዘብ ንምስዳድ ሓደ መዓልቲ ጥራይ እዩ ዚወስድ። ኣብቲ እትልእኮ ሰነድ ናትካ ፐርሾንኑመር ጥቐስ።
ንኻልእ ሰብ ክትከፍለሉ ከሎኻ ኣብቲ እትልእኮ ሰነዳት ናይቲ ሰብ ፐርሾንኑመር ጥቐስ።
ናብ ብ ባንክዪሮ bankgiro 389-0100 ወይ ድማ።
ካብ ካልእ ሃገር ምስ እትኸፍል ነዚ ዚስዕብ ኮዳት ተጠቐም፤
ብኢንተርነት ባንክ ምስ እትኸፍል ናትካ ፐርሾንኑመር ከም OCR ንምጥቃስ ኣይትረስዕ። ናይ መኽፈሊ ካርድ ምስ እትጥቀም ወይ ድማ እቲ ክፍሊት ኣብ ገለ ዪሮበታልኒንግ ዚጥቀሙ ኪዮስክታት ወይ ተመሳሳሊ ቦታታት ምስ ዚካየድ ፡ ኣብቲ እትኸፍለሉ እዋን ነቲ ናትካ ፐርሾንኑመር ጥቐስ።
እቲ እትኸፍሎ ክፍሊት ምእንቲ ስካተቨርከት ነቲ መጠየቕታኻ ኪምርምር ተባሂሉ እዩ። ስለዚ ወላውን እቲ ጉዳይካ እንተ ተነጽገ፡ ገንዘብካ ኣይምለሰልካን እዩ።
ወረቐት መንነት ንምሕታት፡ መን ምዃንካ ከተረጋግጽ ይግባእ፡ ማለት መንነትካ ኣረጋግጽ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ ናብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ክትከይድ ከሎኻ ነዚ ዚስዕብ ክትማላእ ኣሎካ ማለት እዩ፤
ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን፡ እቶም ዝዕብዩኻ፡ ወረቐት መንነት ንኽትሓትት ከፍቅዱልካ ኣለዎም። ነዚ ዚገብሩዎ ድማ ነቲ ናይ SKV 1502 ፎርም ብምምላእን ብምፍራምን እዩ።
ክልቲኣቶም እቶም ዘዕብዩኻ ነቲ ፎርም ኪፍርሙሉ ይግባእ። ግን ናብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ክትመጽእ ከሎኻ፡ ሓዲኦም ጥራይ ምሳኻ እንተ ሃለወ ኣኻሊ እዩ።