ወረቐት መንነትካ ምስ እተጥፍኦ
ወረቐት መንነትካ ምስ እተጥፍኦ፡ ቀልጢፍካ ናብ 020-32 32 62 ደዊልካ ምእንቲ ካልእ ሰብ ከይጥቀመሉ ከም ዚዕገት ግበሮ። ነቲ ወረቐት መንነት ከም ዚዕገት ምስ ገበርካ፡ እቲ ኢ-ለጊቲማኹን እውን ይዕገት እዩ።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስ እትህሉ ድማ ናብዚ ዚስዕብ ደውል፤ +46 771-32 32 62 (tonval 2).
ንእተሰርቀ ካርድ ንፖሊስ ሓብር
ካርድኻ ምስ ዚስረቐ ናብ ፖሊስ ኣመልክት
እተበላሸወ ወረቐት መንነት
እቲ ወረቐት መንነትካ ምስ ዚበላሾ፡ ንስካተቨርከት ተወከሶ። እቲ ካርድ ብኸመይ መገዲ ከም እተበላሸወን ከመይ ጌርካ ትዕቅቦ ከም ዝነበርካን ዚገልጽ ደብዳበ ጸሓፍ። ናብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ለኣኮ፤
Skatteverket
Id-kontrollsektionen
205 30 Malmö
እተበላሸወ ወረቐት መንነት ኪዕገት (ብሎክ ኪኸውን) ኣይግባእን።
ዝጠፍአን እተረኽበን ወረቐት መንነት
ናይ ካልእ ሰብ ወረቐት መንነት ምስ እትረክብ፡ ወይ ናብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ምለሶ ወይ ድማ ናብዚ ኣድራሻዚ ለኣኮ፤
Skatteverket
Id-kontrollsektionen
205 30 Malmö
