På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?
ኣብ ሃገር ሽወደን ቅድሚ መርዓ ካብ ስካተቨርከት ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning) መጠየቕታ ከተቕርብ ይግበኣካ። ነዚ ንምግባር ድማ ነቲ ናብ ስካተቨርከት ዚለኣኽ ፎርም ክትመልኦ ይግበኣካ። ቅድሚ መርዓ ኣቐዲምካ ነቲ ፎርም ክትልእኮ ይግበኣካ።
ብመሰረት ሕጊ ሽወደን እዚ ዚስዕብ ንመርዓ ኪዓግተካ ይኽእል እዩ፤
እዚ ናይ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning) ሕጊ ኣብ ሃገር ሽወደን ክትምርዓዉ ምስ እትደልዩ የገልግል፡ ወላውን ሽወደናዊ ዜግነት ኣይሃልኹም ወይውን ኣብ ሽወደን ዘይትቕመጡ እንተ ኾንኩም።
እቲ ናይ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning) ጉዳይ ምስ ተወደአ፡ ካብ ስካተቨርከት ናይቲ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ ወረቐት ወይ ድማ ናይ መርዓ ምስክር ይወሃበኩም። እቲ ወረቐት ምስክር ናብ ገዛኹም ይለኣኽ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ድማ የገልግል። ብድሕሪኡ ነቲ ቃልኪዳን ዘእሰር ሰብ ቅድሚ መርዓ ቀልጢፍኩም ርኸቡዎ። ነቲ ክልተ ምስክራት ናብቲ ቃልኪዳን ዘእስር ሰብ ኣቕርቡዎ፡ ግን ብዙሓት ኣዳለውቲ ቃልኪዳን ንኣብነት ከም ኮሙናት ነቲ ናይ ቃልኪዳን መስርሕ ንምምዳብ እቲ ወረቐት ምስክር ኣቐዲሙ ኪውሃቦም ከም ዝደልዩ ክትፈልጡ ይግበኣኩም። እቲ ቃልኪዳን ዘእስር ሰብ ድሕሪ ምእሳር ቃልኪዳን ነቲ ወረቐት ምስክር ፈሪሙ ናብ ስካተቨርከት ይልእኮ።
ካብ መጋቢት 1-2015 ጀሚሩ እቲ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ ወረቐት ምስክር፡ ማሕተምን ክታምን ኣይከደልዮን እዩ። ኣብቲ መሰጋገሪ ግዜ ግን ገለ ክታም ዘለዎ ገለ ድማ ዘይብሉ ኪርከብ እዩ። ካብ ሓምለ 1 ግን ክታምን ማሕተምን ኣይከድልን እዩ።
ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ ንምሕታት ነቲ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ SKV 7880 ፎርም መሊእካ ናብ ስካተቨርከት ኣቕርቦ ወይ ለኣኮ። ብመሰረት ምስ ሽወደን ዘሎካ ርክባት፡ ካልእ ሰነዳት ከተቕርብ እውን የድሊ እዩ፡ ከምኡውን ኣብቲ ናይ ምጥያቕ ኣጋጣሚ ብኣካል ናብቲ ስካተቨርከት ኪድ።
ክልተኻትኩም ኣብ ሃገር ሽወደን ምዝጉባት ምስ እትኾኑ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ ንምሕታት ነቲ ናይ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ SKV 7880 ፎርም ምልኡዎ። ፈርሙሉ ነቲ ኦሪጂናል ድማ ናብቲ ስካተቨከት ኣቕርቡዎ ወይ ለኣኹዎ።
ሓደ ካባኻትኩም ኣብ ሃገር ሽወደን ምዝጉብ ምስ ዘይከውን፡ ማለት ምዝገባኡ እተሰረዘ ወይ ድማ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ምስ ዚኸውን፡ ናብ ሓደ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ኬድኩም ናይ ቃኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning) ሕተቱ። ኣብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ምስ ከድኩም ነቲ መንነትኩም ብፓስፖርት ኣደልድሉዎ። ነቶም ናይ ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ሕብረት EES ወይ ናይ ስዊሰርላንድ ዜጋታት ዝኾኑ እቲ ሃገራዊ ወረቐት መንነት የገልግሎም እዩ።
ኣብ ሽወደን ዘይተመዝገብካ ምስ እትኸውን ነቲ ሲቪላዊ ኩነታትካ ዘርእይ ወረቐት ምስክር ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ወረቐት ምስክር ኣብቲ ሕጂ እትቕመጠሉ ሃገር ካብ ሓደ ስልጣን ዘለዎ ትካል፡ ከምኡውን ኣብቲ ዜጋ ዝኾንካሉ ሃገር ካብ ስልጣን ዘለዎ ትካል እተዋህበ ኪኸውን ይግባእ። እቲ ወረቐት ምስክር ካብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዚበዝሕ ዕድመ ኪህሉዎ ኣይግባእን።
ከምኡ ዝመሰለ ወረቐት መንነት ምስ ዘይህልወካ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ንኽትረክብ ኣብቲ ሕጂ እትነብረሉ ሃገር ዚርከብ ስልጣን ዘለዎ መንግስታዊ ትካል ተወከስ፡ ማለት ኣብቲ ዜግነት ዘሎካ ሃገር ወይ ድማ ኣብ ቀረባ ዚርከብ ኤምባሲኻ።
ክልተኻትኩም ዘይምዝጉባት ምስ እትኾኑ ግን ሓደ ካባኻትኩም ናይ ሽወደን ዜግነት ምስ ዚህሉዎ፡ ክልተኻትኩም ናብ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ኬድኩም ናይ ቃኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning) ክትሓቱ ይግበኣኩም። ኣብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ምስ ከድኩም ነቲ መንነትኩም ብፓስፖርት ኣደልድሉዎ። ነቶም ናይ ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ሕብረት EES ወይ ናይ ስዊሰርላንድ ዜጋታት ዝኾኑ እቲ ሃገራዊ ወረቐት መንነት የገልግሎም እዩ።
ነፍስወከፍኩም ነቲ ሲቪላዊ ኩነታትኩም ዘርእይ ወረቐት ምስክር ከተቕርቡ እውን ይግበኣኩም እዩ። ንስኻ፡ ሽወደናዊ ዜግነት ዘሎካ፡ እቲ ወረቐት ምስክር ካብ ሽወደናዊ በዓል ስልጣን ዘይኮነስ ካብቲ ሕጂ እትቕመጠሉ ሃገር ስልጣን ዘለዎ ትካል እዩ ዝመጸካ። ናይ ሽወደን ዜግነት ምስ ዘይህልወካ ግን ኣብቲ እትቕመጠሉ ሃገር ካብ ስልጣን ዘለዎ ትካል ከምኡውን ኣብቲ ዜጋ ዝኾንካሉ ሃገር ካብ ዚርከብ በዓል ስልጣን እተዋህበ ኪኸውን ይግባእ። እቲ ወረቐት ምስክር ካብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዚበዝሕ ዕድመ ኪህሉዎ ኣይግባእን።
ኣብቲ እትቕመጡሉ ሃገር ዚወሃብ ምስ ዚኸውን፡ ናይ ቃልኪዳን ወረቐት ምስክር እውን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ቃልኪዳን ወረቀት ምስክር ካብቲ ንኽትምርዓዉ መሰል ከም ዘሎኩም ዘረጋግጽ ኣብቲ እትቕመጡሉ ሃገር ዚርከብ ስልጣን ዘለዎ ትካል ዚውሃብ ምስክር እዩ። ዛጊት ነናትኩም ምስክር ምስ ዘይህልወኩም ግን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ንኽትረክቡ ኣብቲ ሕጂ እትነብሩሉ ሃገር ዚርከብ ስልጣን ዘለዎ መንግስታዊ ትካል ተወከሱ፡ ንስኻ፡ ዜግነት ሽወደን ዘይብልካ ኣብቲ ዜግነት ዘሎካ ሃገር ዚርከብ ነቲ ስልጣን ዘለዎ መንግስታዊ ትካል ተወከስ፡ ወይ ድማ ነቲ ኣብ ቀረባ ዚርከብ ኤምባሲኻ።
ካብ ክልተኻትኩም ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ወይ ኣብ ሽወደን እተመዝገበ ምስ ዘይህሉ ናብ ሓደ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ኬድኩም ናይ ቃኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning) ሕተቱ። ኣብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ምስ ከድኩም ነቲ መንነትኩም ብፓስፖርት ኣደልድሉዎ። ነቶም ናይ ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ሕብረት EES ወይ ናይ ስዊሰርላንድ ዜጋታት ዝኾኑ እቲ ሃገራዊ ወረቐት መንነት የገልግሎም እዩ።
ኣብ ሃገር ሽወደን ንምምርዓው ብሽወደናዊ ሕጊ ንኽትምርዓዉ መሰል ዘሎኩም ወይ ድማ ብመሰረት ሕጊ ናይቲ ዜጋ ዝኾንኩሙሉ ሃገር ወይ እትቕመጡሉ ሃገር መሰል ዘሎኩም ክትኮኑ ይግባእ። ነዚ ንምቕራብ ገለ ካብዚ ዚስዕብ ኪህልወኩም ይግባእ፤
እታ ዜጋ ዝኾንኩሙላ ወይ እትቕመጡላ ሃገር ምስቲ ናይ ቃኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning] ተወሳኺ ወረቓቕቲ ምስክር ከም ዘድሊ ክትሓትት ስለ እትኽእል ቅድሚ ኣብ ሽወደን ናይ ቃኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning] ምርካብኩም ነቲ ወረቓቕቲ ምስክር ንምሓዝ ኣይትረስዑ።
ካብ ክልተኹም ተመርዒዩ ዚፈልጥ ወይ ምዝጉብ መናብርቲ ዝነበረ እንተሎ እቲ ዝሓለፈ ቃልኪዳን ወይ ምእካብ (partnerskapet) ደው ከም ዝበለ ዚገልጽ ሓበሬታ ኣቕርቡ። ኣብቲ ሲቪላዊ ኩነታት ዚገልጽ ወረቐት ምስክር ወይ ኣብቲ ህዝባዊ ደብተር ከምኡ ምስ ዘይህሉ፡ ውዱእ ናይ ፍትሕ ብዪን ወይ ናይቲ መጻምድቲ ወይ ናይቲ ምዝጉብ መናብርቲ ናይ ሞት ሰርቲፊከት ከተቕርቡ ትኽእሉ።
ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning] መጠየቕታ ኣብ ካልእ ኖርዲካዊ ሃገር ጌርኩም እንተ ኾንኩም፡ ኣብ ሃገር ሽወደን ምስ እትምርዓዉ እውን የገልግል እዩ። ግን ወድተባዕታይን ጓልኣንስተይትን ክትኮኑ ይግባእ። እዚ ድማ ዜግነት ብዘየገድስ የገልግል። ኣብ ሃገር ሽወደን ሓድሽ ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning] መጠየቕታ ክትገብሩ ኣየድልን ግን ነቲ ካብ ካልእ ኖርዲክ ሃገር ዝተዋህበኩም ናይ ቃልኪዳን መረጋገጺ (hindersprövning] ብቐጥታ ናብቲ ቃልኪዳን ዘእስር ሰብ ከተቕርቡዎ ትኽእሉ።
ሕቶ ምስ ዚህልወኩም ናብ ናይ ስካተቨርከት መብርሂ (Skatteupplysningen) 0771-567 567 ደውሉ።