ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ ልክዕ ከምቲ ንዓበይቲ ሰባት ዘሎው ሕጊታት፥ ንሳቶም ኣብ ህዝባዊ-መዝገብ ክጽሓፉ ግዴታ’ዩ፥ ማለት፡ ኣብቲ ዝበዝሐ ጊዜ ዝሓድሩሉ ኣድራሻ ይምዝገቡ ማለት’ዩ።
ንስኻትኩም ከም ወለዲ መጠን፡ ነቲ ናይ ውላድኩም ናይ ምግዓዝ ምልክታ፥ ኣብቲ ”Lämna samtycke” ዚብል፥ ናይ ምስምማዕኩም መግለጺ ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም። ምስምማዕካ ምግላጽ ማለት፥ ነቲ ምልክታ ትፍርመሉ ኣሎኻ ማለት’ዩ።
ኣብዚ፡ ንስኻ/ኺ ከም ወላዲ መጠን፥ ነቲ ናይ ምግዓዝ ምልክታ ናይ ውላድካ ምስምማዕኻ መግለጺ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ምስምማዕኻ መግለጺ ንዘይምሃብ ውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
E-tjänsten Lämna samtycke är stängd på grund av underhåll lördagen den 27 april kl. 09.00-17.00.
ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ፡ ነቲ ናይ ውላድካ ምግዓዝ ምልክታ ምስምማዕካ ወይ ዘይምስምማዕካ መልሲ ሃብ። ካብቲ ናይ ውላድካ ናይ ምግዓዝ ምልክታ ዝኣተወሉ ጊዜ፥ ሸውዓት መዓልታት ጸኒሕካ፡ መልስኻ ንምሃብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ክትህብ ትኽእል፥ ወላዲ (መጕዚት) እንተ ዄንካ ከምኡ ውን ናይቲ ዚምልከቶ ቆልዓ ኣብቲ ”Flyttanmälan” ኣገልግሎት፥ ናይ ምግዓዝ ምልክታ ዝቐረበ ምስ ዚህሉ እዩ።