ናይ ምግዓዝ ሓበሬታ ምስ ሃብካ፡ ኣብቲ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ ብልክዕ ኣድራሻኻ ኢኻ እትምዝገብ። ከምዚ ብምግባርካ ድማ ንኣከፋፍላን ንሓገዘን ሓለፋታትን ዚምልከት መሰላት ኣገዳሲ እዩ። እቲ ስካተቨርከት ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ናብ ብዙሓት ትካላትን ዋኒናትን እዩ ዚዝርግሖ። ካልእ ተቐቢሉ ዚልእኽ ኣድራሻ ምስ እትደሊ ግን ገንዘብ ከፊልካ ኣብቲ ናይ ሽወደን ናይ ፖስታ ለውጢ ቤትጽሕፈት ከተግብሮ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ውሽጢ ሽወደን ኮይነ ክግዕዝ ከሎኹ እንታይ ክሓስብ ይግበኣኒ?
ኣብቲ እተመዝገብካሉ ኮሙን ኢኻ ቀረጽ እትኸፍል። ምዝገባኻ ነቲ ንኣብነት ምህናጽ ገዛውቲ፡ ናይ ኣረጋውያን ክንክንን ኣብያተትምህርትን ይጸልዎ እዩ።
ናይ ምግዓዝ ሓበሬታ ምስ ሃብካ፡ ስካተቨርከት ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ናብ ብዙሓት ትካላትን ኮሙናትን ወረዳታትን ይዝርግሖ።
ብዙሓት ዋኒናት ከም ዓበይቲ ባንክን ናይ ውሕስነት ድረጅታትን እውን ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ይወስዱዎ እዮም።
ንብሕታውያን ሰባትን፡ ኣባል ዝኾንካለን ማሕበራትን ውድባትን፡ ንዓሚል ዝኾንካለን መጽሔታትን ነቶም ሓድሽ ኣድራሻኻ ብርግጽ ኪህሉዎም እትደሊ ዋኒናትን ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።
ተቐቢልካ ዚለኣኽ ፖስታ ማለት፡ እቲ በቲ ኣረጊት ኣድራሻኻ ዚለኣኽ ፖስታ ናብቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ኪለኣኽ ከሎ ማለት እዩ። ተቐቢልካ ምልኣኽ ግን ነቲ እተመዝገብካሉ ኣድራሻ ኣይቅይሮን እዩ። ፖስታኻ ተቐብሊሎም ኪሰዱልካ እንተ ደሊኻ ኣብቲ ናይ ሽወደን ናይ ምልዋጥ ኣድራሻ ከፊልካ ኣግብሮ። እቲ ፖስታ ኣብ ውሱን ግዜ እዩ ዚለኣኸካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ዓመት