ምእንቲ ቅኑዕ ናይ ምዝገባ ኣድራሻ ኪህልወካ፡ ክትግዕዝ ከሎኻ ንስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ ኣመልክት። ነዚ ንምግባር ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ፡ ብ e-tjänsten ኢኻ እትገብሮ።
ምግዓዝካ ኣቐዲምካ ወይ ምስ ገዓዝካ ድሕሪ ሰሙን ሓብር። ሽዑ እቲ ኣድራሻኻ ካብታ ዝገዓዝካላ መዓልቲ ይጅምር። ድሕሪ ምግዓዝካ ካብ ሰሙን ንላዕሊ ደንጕኻ ምስ እትሕብር፡ እቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ካብቲ ሓበሬታኻ ናብ ስካተቨርከት ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ዚጅምር።
በቲ Mobilt BankID ወይ ብኻልእ e-legitimation ኣብ e-tjänsten እቶ ምግዓዝካ ሓብር
ኣብ ውሽጢ ሽወደን ኮይነ ክግዕዝ ከሎኹ እንታይ ክሓስብ ይግበኣኒ?
ኣብ መንጎ ናይ ምግዓዝ ሓበሬታን ንፖስታ ተቐቢልካ ምልኣኽን ፍልልይ ኣሎ
ዘይተፈቕደሎም ሰባት ኣድራሻኻ ከይልውጥዎ ተጠንቀቕ
ኣብቲ እትመሃረሉ ቦታ ኢኻ እትምዝገብ
እቶም ንወግዓዊ ደብዳበታቶም ዲጂታላዊ ሳጹን ፖስታ/ዲጂታላ ብረቭሎዳን ዘለዎም ሰባት እቲ ናይ ምዝገባ ኣድራሻኦም ኣብ ደብተርና ምስ ተለወጠ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ኪረኽቡ እዮም። እቲ ኣገልግሎት ብናጻ እዩ፡ ኣድራሻ ንምክትታል ድማ ቅልጡፍን ውሑስን እዩ።
ካብ ስካተቨርከት ወይ ካልእ መንግስታዊ ትካል ወግዓዊ ደብዳበ ኪመጸካ ከሎ ብኤስኤምኤስ ወይ ብኢመይል ክኾነልካ ምስ እትደሊ ኣብቲ ዲጂታላዊ ሳጹን ፖስታ/ዲጂታላ ብረቭሎዳን ግለጽ
ኣብቲ minameddelanden.se ከመይ ጌርካ ውሑስ ዲጂታላዊ ሳጹን ፖስታ ከም እትረክብን፡ ካብ ስካተቨርከትን ካልእ መንግስታዊ ትካላትን እንታይ ዓይነት ፖስታ ብዲጂታላዊ መገዲ ከም እትረክብን ሓበሬታ ኣሎ።