ንስኻ ካብተን ናይ EU ወይ ናይ EES ከባቢታት ወጻኢ ዝኾነ ሃገር ናብ ሃገር ሽወደን መጺእካ ዘሎኻ ወይ ድማ ሃገር ዘይብልካ፡ ኣብዚ ድማ ንሓደ ዓመት ወይ ዝያዳ ክትቅመጥ ሓሳብ ዘሎካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብዚ ኢኻ እትምዝገብ። ግን ንኽትምዝገብ፡ ብውሕዱ ንሓደ ዓመት ዘገልግል ናይ ሽወደን ፍቓድ መንበሪ ኪህልወካ ይግባእ።
እቲ ምምዝጋብካ ምስቲ ጭቡጥ ኩነታት ዚሰማማዕ ምስ ዚኸውን ነቲ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ንኣኻ ዚምልከት መደባት ንኣብነት መንበሪ ቤት፡ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ኣብኡ እዩ ዚምርኮስ። ስለዚ ኣብቲ ኣድራሻኻ ዘለዎ ቦታ ኢኻ እትምዝገብ። ካብቲ ኣድራሻኻ ምስ እተልግስ፡ ንቤትጽሕፈት ግብሪ (ስካተቨርከት) ከተመልክት ይግባእ።
ካብተን ናይ EU ወይ ናይ EES ከባቢታት ወጻኢ ዝኾነ ሃገር ዝመጸ ኣባል ስድራቤት
እቲ ምሳኻ ዝመጸ ኣባል ስድራቤት ካብተን ናይ EU ወይ ናይ EES ከባቢታት ወጻኢ ዝኾነ ሃገር ዜጋ ድማ ዝኾነ፡ ንሱውን መንበሪ ፍቓድ ኪህሉዎ ይግባእ።
ኣብዚ ፊልምዚ ነቶም ናብ ሃገር ሽወደን ዚግዕዙ ዚምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣኪብና ኣሎና
ኣብቲ ናይ ህዝቢ ደብተር ንምምዝጋብ፡ ናብ ሃገር ሽወደን ክትግዕዝ ከም ዝደለኻ ከተመልክት ኣሎካ። ነዚ ንምግባር ድማ ናብ ሓንቲ ካብተን ናይ ስካተቨርከት ኣብያተጽሕፈት ትኸይድ። ኣብቲ ግዜቲ ኩሎም ንሽወደን ኪኣትዉ ዚደልዩ ኣባላት ስድራቤት ወላውን ህጻናት ምሳኻ ኪህሉዉ ይግባእ። ስካተቨርከት ንኣኻን ንስድራቤትካን ምስ መዝገበ ቍጽሪ ሃገራዊ መንነት (ፐርሾንኑመር) ዝሓዘ ደብዳበ ናብ ገዛኻ ኪለኣኸልካ እዩ።
ካብ ካልእ ናይ EU ወይ EES ሃገር ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዚህልወክ፡ ሽወደናዊ መንበሪ ፍቓድ ካብ ሚግረሽን ክትሓትት ይግባእ።
መንበሪ ፍቓድ ምስ ዘይህልወካ፡ ሽወደናዊ መንበሪ ፍቓድ ንምሕታት ዘድሊ ሓበሬታን ከመይ ጌርካ ከም እትሓትትን ብዚምልከት ንሚግረሽን ተወከስ።
እቶም ናብ ሃገር ሽወደን ዝገዓዙ፡ ናብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎትና ኪመጹ ኸለዉ ነዘን ዚስዕባ ሰነዳት ኪማልኡወን የድሊ፣
ፓስፖርት
ሽወደናዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድ
ነቲ ኩነታትካ ዘደልድል ሰነዳት፡ ንኣብነት ናይ መርዓ ወረቐት ምስክር።
ዘይተመርዓኻ ምስ እትኸውን፡ ነዚ ዘደልድል ሰነድ ኣየድልን።
ከምዚ ዚስዕብ ናይ ሓዳር ኩነታት ኣሎ፣
ህጻናት ምስ ዚህልዉኻ፡ ናይ ልደት ምስክር
ኣበይ ከም እትነብር ሓበሬታ፡ ከምዚ ዚስዕብ እተጻሕፎ ወረቐት ተማላእ፣
ሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኡ ቆልዓ ናብ ሽወደን ምስ ዚግዕዝ፡ እቶም ኣለይቱ/ሞግዚቱ ከመልክቱ ይግባእ። ሓደ ካብቶም ኣለይቱ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስ ዚርከብ ንምግዓዝ ብዚምልከት ከም ዚሰማማዕ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ ከቕርብ ይግባእ። 16 ዓመት ዝመልኡ ቆልዑ ብዘይ ናይቲ ኣላዪኦም ናይ ስምምዕ ሓበሬታ፡ ባዕላቶም ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።
ኩሉ ንኩነታት ሓዳርካ ይኹን ንዝምድናታትካ ዘደልድል ሰነዳትካ ብኦሪጂናል ኪኸውን ከም ዘለዎ ዘክር።
ፓስፖርትኻን ካልእ ሰነዳትካን ምስ ሚግረሽን ምስ ዚህሉ፡ ንኺመልሱልካ ሕተቶም ወይ ድማ ቅቡል ዝኾነ/እተመስከረሉ ቅዳሕ ተማላእ።
ቅቡል ወይ እተመስከረሉ ማለት፡ ሓደ ሰብ ነቲ ቅዳሕ ምስቲ ኦሪጂናል ኣነጻጺሩ ኣረጋጊጹዎ ማለት እዩ። እቲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ናይቲ ቅዳሕ ክታሙ የንብር። ንጹር ስምን ቍጽሪ ተለፎንን ድማ ይጽሕፍ። ነዚ ብዚምልከት፡ ሚግረሽን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ኣብቲ ፖስፖርትኻ ናይ ፍቓድ ምልክት ምስ ዚህሉ
እቲ ኣብ ሃገር ሽወደን ንኽትቅመጥ ንማለት ኣብ ፓስፖርትኻ ዘሎ ናይ ፍቓድ ምልክት ግንቦት 20-2015 ወዲቑ። ስለዚ እቶም ኣብ ፓስፖርትኦም ናይ ፍቓድ ምልክት ዘለዎም ነቲ ናይ ፍቓድ ምልክት ብናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድ ንምልዋጥ ኣብ ሚግረሽን ቆጸራ ኪወስዱ ይግባእ።
ካብ ግንቦት 20-2015 ንደሓር ካብን ናብን ሸንገን ሃገራት ብዘይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድ ክትገይሽ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ቅቡል ናይ መንነት ሰነድ (ንኣብነት ፓስፖርት) ወይ ድማ ዘይወደቐ ሽወደናዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዚህልወካ፡ ኣብ ሓደ ወረቐት መንነት ዚህብ ናይ ስካተቨርከት ቤትጽሕፈት ኬድካ ወረቐት መንነት ንኺወሃበካ ሕተት። ናይ ስካተቨርከት ወረቐት መንነት ኣብ ውሽጢ ሃገር ሽወደን ቅቡል እዩ። ነዚ ወረቐት መንነትዚ ዕድመኻ ንምርግጋጽን ኣብ ፋርማሲን ወይ ባንክ ወይ ድኳናት መንነትካ ንምርግጋጽ ትጥቀመሉ። ወረቐት መንነት ምህላው ኣብ ሽወደናዊ ሕብረተሰብ ተኻፋሊ ንምዃን የቃልለልካ። ቅድሚ ናብቶም ወረቐት መንነት ዚህቡ ኣብያተጽሕፈት ምኻድካ፡ እንታይ ከተማልእ ከም ዘሎካ ኣንብብ።