På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?
ሓበሬታ: ከመይ ጌርካ ጸብጻብ ግብሪ ከም እተቕርብ። ሓበሬታ ንተመላሲ ቀረጽን ተረፍ ቀረጽን ዚምልከት።
ቋንቋ ምረጽ
ግብሪ ምኽፋል ኣብ ማሕበረሰብ እጃምካ ምብርካት ኢዩ ። ግብሪ ብልክዕ ንክትከፍል ጸብጻብ እቶት፡ ብግቡእ ምቕራብ የድሊ።
ጸብጻብ እቶት: እንተ ደንጐየ 4 ግንቦት ኢኻ ተቕርብ። ጸብጻብ መምልኢ ቅጥዒ ብቡስጣ ወይ ብ ዲጂታዊ ሳጹን ይመጸካ። ንምንጪ እቶትካ ዚምልከት፣ ዚበዝሑ ሓበሬታ ናባና ናብ ስካተቨርከት ይመጽእ’ዩ። ንኣብነት ካብ ወሃብቲ ስራሕ: ካብ ባንክ ወይ ካብ ቤ/ጽ ካሳ ውሕስነት። እዞም እቶታት እምበኣር ኣብቲ ንገዛ እንሰደልካ ቅጥዒ ጸብጻብ ግብሪ ድሮ ሰፊሮም ኣለዉ።
ፈለማ: እቲ ኣብቲ ቅጥዒ ጸብጻብ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ልክዕ ምዃኑ ርኢኻ ኣረጋግጽ። ኵሉ’ቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ኮይኑ: እሞ ምእራም ወይ መወሰኽታ ምግባር ዘየድልየካ እንተ ኾይኑ: ብወገንካ ነቲ ጸብጻብ ግብሪ ከም ትቕበሎ ብባንክ-ኢደ (BankID) ወይ በቲ ኣብቲ ቅጥዒ ወረቐት ጸብጻብ ግብሪ ዚሕበር ፍሉይ ኮድ ተጠቒምካ ከተረጋግጽ ትኽእል። ብዝቐለለ ኣገባብ ከኣ፣ ሞበይል ተለፎንተጠቒምካ ከተሳልጦ ትኽእል።
ቅጥዒ ጸብጻብ እቶትካ፣ ብኤስኤምኤስ: ብቴለፎን: ብኣገልግሎት ኢንተርነት (ኤ-ሻንስት) ወይ ከኣ ነቲ ቅጥዒ ወረቐት ብፕስታ ክትልእኮ ወይ ብኣካል ከተእትዎ ትኽእል።
ኣባይቲ፤ ወይ ብርክታት ኩባንያ ሸይጥካ ዲኻ? ወይ ከኣ ወናን ትካል ዲኻ? እምብኣር ነቲ ኣብቲ ቅጥዒ ጸብጻብ እቶት ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ምትኽኻል ወይ ምውሳኽ ከድልየካ’ዩ። ኣብ ኤ-ሻንስት: ድሮ ሓያለ ሓበሬታ መሊእና: ቅዳሕ ቅጥዒ ቀሪብናልካ ኣለና።
ናይ ወጻእታትካ ቅነሳ ክትገብር መሰል እንተሎካ፤ ንኣብነት ካብን ናብን ስራሕ ናይ ዚግበሩ ጕዕዞታት ዚምልከት ሓበሬታ ኣብቲ ጸብጻብ ግብሪ ባዕልኻ ከተስፍሮ ኣለካ። ቅድም ቀዳድም ግን: ንቕነሳ ዚምልከቱ ሕግታት ፈሊጥካ ምርግጋጽ ከም ዘድልየካ ሕሰብ።
ጸብጻብ እቶት ምስ ኣቕረብካ፥ ንዝሃብካዮ ሓበሬታ ኣጽኒዕና፥ ክትከፍሎ ዝግብኣካ ገምጋም ግብሪ ንገብር ።
ናይ መጠረሽታ ውሰን ክትከፍሎ ዝግብኣካ ግብሪ ከኣ ንልእለልካ። ተመላሲ ገንዘብ ዚመጸካ እንተ ኾይኑ፥ ወይ ተረፍ ዚኽፈል ግብሪ እንተሎካ ኣብቲ ዚመጸካ ውሰን ትርእዮ።
ዝምለስ ገንዘብ እንተ ኣለካ፣ ገንዘብካ ኣብቲ ኣቐዲምካ ዝሓበርካና ሕሳብ ባንክኻ ብቐጥታ ይልኣኸካ። እትኸፍሎ ተረፍ ግብሪ እንተሎካ ከኣ ናብ ባንክጂሮ ስካተቨርከት ወይ ብስዊሽ ትኸፍሎ። ብተውሰኺ ሐበርታ ብዘዕባ ጵብጳብ እቶት አብ skatteverket.se/deklaration አሎ