ወረቐት መንነት ንምሕታት ናብ ሓንቲ ካብተን ናይ ስካተቨርከት ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎት ኪድ። ኣብዚ፡ ወረቐት መንነት ንምሕታት ናብ ሓንቲ ካብተን ናይ ስካተቨርከት ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎት ምስ ከድካ እንታይ ከም ዚግበር ከተንብብ ትኽእል።
ኣብኡ ምስ ከድካ፡ ናይ መጠየቕታ ክፍሊት ከም ዝኸፈልካ ቅብሊት ኣርእይ። መን ምዃንካ ግለጽ፡ ማለት መንነትካ ኣረጋግጽ። ወረቐት መንነት ንምርካብ እንታይ ቅድመኩነት ከም ዘሎ ኣንብብ።
ኩለን ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎት ኣይኮናን ወረቐት መንነት ዚህባ። ኣብዚ፡ ኣየኖት ኣብያተጽሕፈት ኣገልግሎት፡ ወረቐት መንነት ከም ዚህባ ክትረብክ ትኽእል፤
ናብ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ምስ ከድካ፡ ንወረቐት መንነት ዚምልከት ኤለክትሮኒካዊ መጠየቕታ ትገብር። እቲ መስካሪ (intygsgivare) ምሳኻ ምስ ዚህሉ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ኮይኑ ነቲ ናይ ወረቐት መንነት ፎርም Intygsgivare (SKV 1503) ኪመልኦን ክፍርመሉን ይግባእ። ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን እቶም ዘዕብዩኻ ነቲ ናይ ወረቐት መንነት መጠየቕታ ብኢ-ለጊቲማኹን ገይሮም ኪመልኡዎ ይግባእ - ናይቶም ዘዕብዩኻ ፍቓድ (SKV 1502)። ኣቶም ዘዕብዩኻ ክልተ ምስ ዝኾኑ፡ ክልቲኣቶም ኪፍርሙ ይግባእ።
ኣብቲ ቦታ ክትሰኣል ስለ ዝኾንካ፡ ናትካ ፎቶ ሒዝካ ኣይትምጻእ
ነቲ ካርድ ክታም ኣንብረሉ፡ ነቲ ኤለክትሮኒካዊ መጠየቕታ ድማ በቲ ንምስራሕ ካርድ ዘገልግልን ኣብቲ ካርድ ዚረአን ሓበሬታ ኣጽድቆ። ነቲ ናይ ተልያ ኢ-ለጊቲማኹን ቅድመኩነት ድማ ኣንብቦ Telia e-legitimation.