På skatteverket.se använder vi kakor (cookies) för att webbplatsen ska fungera på ett bra sätt för dig. Genom att surfa vidare godkänner du att vi använder kakor. Vad är kakor?
ውዕል መርዓ ኪብሃል ከሎ ኣብ ናይ ሓዳር ጥሪት ኣየናይ ብሕታዊ/ፍሉይ ጥሪት ከም ዝኾነ ዚገልጽ እዩ። ኣብ ግዜ መርዓ ወይ ቅድሚኡ ድማ ኪፍረም ይከኣል
ብሕታዊ ጥሪት ኪብሃል ከሎ ኣብ ምምቕቓል ከም ዘይኣቱ ኾይኑ ዚምዝገብ ጥሪት እዩ፡ ማለት ኣብ እዋን ፍትሕ ጥሪት ክትማቐሉ ከለኹም ማለት እዩ። ብሕታዊ ወይ ፍሉይ ጥሪት ዘይኮነ፡ ሓዳራዊ ጥሪት (giftorättsgods) ይብሃል።
ፍሉይ ወይ ብሕታዊ ጥሪት ናብ ሓዳራዊ ጥሪት ክትልውጡዎ ምስ እትደልዩ፡ ከም ብሓድሽ ናይ ቃልኪዳን ውዕል ክትገብሩ ይግባእ።
ምእንቲ ውዕል ቃልኪዳን ቅቡል ኪኸውን፡ ብጽሑፍ ኪቐርብ ይግባእ። ኣብ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ ድማ ኪምዝገብ ይግባእ። ብድሕርዚ ስካተቨርከት ነቲ ሓበሬታ ኣብቲ ናይ መርዓ መዝገብ ይምዝግቦ።
ኣብ ስካተቨርከት/ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ ውዕል መርዓ ንምምዝጋብ ከምዚ ዚስዕብ ግበር፤